Welcome
Welcome to Kaarat Event Registration. Please review
the information carefully before proceeding.
እንቛዕ ብደሓን መጻእኹም። ቅድሚ ምዝገባ፣ ተዋሂቡ ዘሎ ሓበሬታ ብጥንቃቐ ነንብቦ።
Continue
ሕግታትን ሓበሬታን መደብ
እዚ ትኬት ነዞም ኣብዚ ተዘርዚሮም ዝርከቡ ሕግታትን ሓበሬታትን ኣንቢበን ተረዲኡንን ብኡኡ ክምእዘዝ ፍቓደኛ ምዃነይ ብምርግጋጽ ይዕድግ ምህላወይ አረጋግጽ።
1. ኣዳለውቲ ኣብዚ መደብ ክሳተፉ ናይ ዘይደሊዩዎም ውልቀ-ሰባት ምኽንያት ብዘይምጥቃስ ትኬት ናይ ምስራዝ ምሉእ መሰል ኣለዎም።
2. መደብ ዝካየደሉ ቦታ ትሕቲ ዕድመ ከአንግድ ሕግታቱ ዘየፍቅደሉ እኳ እንተ ኾነ፣ ነዚ መደብ ተባሂሉ ግን ትሕቲ-ዕድመ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ምክትታል ወለድን መቕርብን ክሳተፉ ፈቒዱ ኣሎ።
3. ካብ ደገ ዝኾነ ዓይነት መስተ፣ ብፍላይ ከኣ ኣልኮላዊ መስተ ሒዝካ ምእታው ፍቑድ ኣይኮነን።
4. ኩሎም 14 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም መእተዊ ትኬት ይኸፍሉ። ብኢንተርኔት (online) ናይ ዝቑረጽ ትኬት ዋጋ ክሳብ ዕለት 20 ግንቦት 2026 ንዓበይቲ ምስ መግቢ 60.00 ፍራንክ ክኸውን ንቆልዑ ምስ መግቢ 30.00 ፍራንክ እዩ። ድሕሪ ዕለት 20 ግንቦት 2026 ግን ናይ ዓበይቲ 80 .00 ፍራንክ ናይ ቆልዑ ድማ 40.00 ፍራንክ ይኸውን።
5. ናይ መግቢ ትኬት ናብ ኣደራሽ ቅድሚ ምእታውካ ኣብ ኣፍደገ ኣደራሽ ካብ ዘለዉ ኣኣንገድቲ ጥራይ ይውሰድ።
6. ቦታ መደብ እንተዘይመሊኡ ዕለት 23 ግንቦት 2026 ኣብ ኣፍደገ ኣዳራሽ ዝሽየጥ ትኬት ዋጋ፣ 100.00 ፍራንክ ኢዩ። እዚ እውን እንተኾነ ኣቐዲምካ ተመዝጊብካ ቦታ ሓዚእካ ምስ እትጸንሕ ጥራይ ኢዩ።
7. ምሕዛእ ቦታ መምበር ኣየውሕስን ኢዩ። ቦታ ዝሕዛእ ተረፍ ዘይተሸጠ ቦታ ክሳብ ዘሎ ጥራይ ኢዩ።
8. ዝተሓዝአ ቦታ ኣይሽየጥ ኣይልወጥ። ኣዳለውቲ ብኸፊል ይኹን ብምሉእ ዝተሓዝአ ቦታ ናይ ምስራዝ ምሉእ መሰል ኣለዎም።
9. ትኬት ዝሸይጥን ኣብ መእተዊ ትኬት ዝቆጻጸርን እቲ ትካል ባዕሉ ስለ ዝኾነ፣ ትኬት ኣብ ግዚኡ ክንቆርጽ ወይ ከኣ ቦታ ሓዚእካ ምጽናሕ የድሊ።
10. ተሳተፍቲ ናብ ቦታ መደብ ብዝጥዕሞም ኣገባብ መጐዓዝያ ክመጹ ይኽእሉ።
11. ዝተዓደገ ትኬት ኣይምለስን ናብ ካልእ ሰብ ኣይሰጋገርን።
ብደሓን ምጹ!
Kaarat Events
I don't agree
I agree